Friday , March 29 2024

ክንክን ሽማግለታት ንምምሕያሽ ኣመልኪቱ ሓድሽ ለበዋታት ቀሪቡ። 

ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ክንክን ሽማግለታት ንምምሕያሽ ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ለበዋታት ናብ ሚኒስተር ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሌና ሃለንግረን ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ። እዚ ለበዋታት፡ መንግስቲ ዝመወሎ መጽናዕቲ ምርኲስ ብምግባር ዝሓለፈ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ምውሳኽ ብቚዓት ሰራሕተኛታት፡ ቀዋሚ ውዕል ስራሕ ምትእትታውን ዶክተራት 24 ሰዓታት ዝሰርሑሉ ኲነትት ምፍጣርን ገለ ካብቶም ኣብዚ ለበዋታት ካብ እተላዕሉ ወሰንቲ ነጥቢታት እዮም። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መአይ ትካላት ሽማግለታት ድሕሪ ዘውረዶ ዕንወት መንግስቲ ን ዳይረክተር ጀነራል ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኦሊቭያ ዊግዜል ነዚ ጒዳይ ናይ ምምርማር ሓላፍነት ሂብዋ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com