Friday , March 29 2024
Håkan Sandbring/TT

ክኢላታት ሽወደን ዓሳ ምብላዕ ኣብ ጥዕና ኣዎንታዊ ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ተመራመርቲ ሽወደን ዓሳ ንጥዕና ኣካላትን ከባቢን ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ሰባት ዝያዳ ዓሳ ንኽምገቡ ምትብባዕ ከም ዘድሊ ይሕብሩ’ለዉ።

እዞም ኣብ ስቶክሆልም ዝተጋብኡ ተመራመርቲ ዓሳ ምብላዕ ካብ ምኽራሽን ሕማም ልቢን ከም ዝከላኸልን ካብ ካልእ ዓይነት ስጋ ብዝበለጸ ንከባቢ ከም ዝሰማማዕን እዮም ገሊጾም።

“ንኣፍረይቲ መግቢ ዝያዳ ኣብ ዓሳ ከተኲሩ ምኽርና ኣብ ምልጋስ ንርከብ። ምኽንያቱ ዓሳ ምብላዕ ፍዂስ ከም ዝብለና እውን ይገብር እዩ” ትብል ኪኢላ መግቢ Emma Haldane።

እዚ ይበሃል እምበር ብዙሓት ካብ ከባቢ ባልቲክ ዝግፈፉ ዓሳታት ብፍላይ እኳ ሳልሞን ብዙሕ መርዛም ባእታታት ኣብ ኣካላቶም ዝጾሩ ምዃኖም እዩ ዝፍለጥ።

እዞም መርዛም ባእታታት ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሕማምን ፍርያምነትን ተመጋቢ ሕማቕ ሳዕቤናት ዘኸትሉ እዮም።

ስለዚ ድማ ነዚኣቶም ዓይነት ዓሳታት ከይንምገብ እታ ኪኢላ መግቢ ትመክር። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣትላንቲካዊ ሳልሞን ዝወሓደ ከባብያዊ ብከላ ከም ዘለዎ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com