Thursday , April 25 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ናይ ምስጓጒ ውሳኔኡ ይስርዝ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ናይ ምብራር ውሳኔኡ ብምስራዝ ኣብ ሽወደን ክጸንሕ ምፍቃዱ ጋዜጣ Dagens Nyheter ጸብጺባ።

እዚ ምስ እንዳዓለቦኡ ዝቕመጥ ዘሎ ህጻን ድሕሪ ሞት ወላዲቱ ናብ ዩክሬይን ክባረር ተወሲኑ እኳ እንተነበረ ኣብ ዩክሬይን ምንም ዝቕበሎ ዘመድ ከም ዘይብሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ እቲ ውሳነ ከም ዝስረዝ ተጌሩ።

ኣደ እቲ ህጻን ኣብ ሚያዝያ 2015 እያ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕቲታ ጸኒሓ። እንተኾነ ድሕሪ ዓመት እቲ ሕቶኣ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን መጋባእያን ተነጺጉ።

ኣደ እዚ ህጻን ኣብ መጋቢት 2018 ድሕሪ ምሟታ እዚ ህጻን ምስቶም ከዕብይዎ ዝወሰኑ እንዳ ዓለቦኡ እዩ ክነብር ጸኒሑ።

እዚ ህጻን ናብ ዩክሬይን እንተተባሪሩ ኣዝማድ ስለዘይብሉ ኣብ መዕበይ ዘኻትም ወይ ካልእ ንእኡ ዝመስል ትካል እዩ ክእለ ክትብል እታ ጋዜጣ ጸብጺባ ኔራ።

ጒዳይ ናይዚ ህጻን ዓብዪ ኣቓልቦ ህዝቢ ብምስሓቡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብ ጥቅምቲ 2018 ነቲ ምብራር ዝብል ውሳኔ ንግዜኡ ብምውዛፍ ዝያዳ መጽናዕቲን ግዜን ንኽወሃቦ ክውስን ተቐሲቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብመዚ እቲ ትካል እዚ ህጻን ክባረር ንዝብል ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ሰሪዞም’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com