Saturday , April 20 2024
Gavi CEO Seth Berkley (Salvatore Di Nolfi, Keystone via AP) TH105

ኮቫክስ፡ ገንዘብ ወዲእና ኣለና ይብል

ኮቫክስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብዓለምለኻዊ መስርሕ ምትሕግጋዝ ክታበት ዝፍለጥ ትካል፡ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝኾነ ብልቓጥ ክታበት ንዓለም ከም ዘከፋፈለ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ዓመተ 2021 ንከከፋፍሎ ተሊሙዎ ዝነበረ መጠን ጥራሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኮቫክስ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ብልቓጣት ይውዳእ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሳንቲም ዝባሃል ገንዘብ እኳ የብልናን” ክብል ሰት ቤርክሊ ዝተባህለ ዋና ሓላፊ ናይቲ ብሓገዝ ትካል ዓለም ጥዕና ዝተመስረተ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል Gavi vaccine alliance ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ኣፍሊጡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ርብዒ ዓመት፡ ኮቫክስ ነተን ኣብ ዓለምና ዝርከባ ዝደኸያ ዝባሃላ ሃገራት ዝላኣኽ ናይ ተወሳኺ 600 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ መፍረይ ዝኸውን ናይ 47 ቢልዮን ዝኣክል ክሮኖር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ’ሎ።  

“እዚ ምግባርና ነቲ ዓለም ደረጃ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መልከፍትን እቲ ኩነታት ዘስዕቦ ስግኣትን ከህድእ ይኽእል’ዩ” ይብል በርክሊ።

ቅድም ክብል ኮቫክስ፡ ነቲ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ሸቶ ከሳኽዕ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውድድር ብዝተኣሳሰር መልክዕ እኹል መጠን ናይቲ ክትባት ከዳሉ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com