Friday , April 19 2024
Credit: Lars Pehrson/SvD/TT

ኮተቴ ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ ንምግባር ዝዓለመ ጻዕርታት ይካይድ ኣሎ።

ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ፥ ኮተቴ ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ ንምግባር ዝዓለመ ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን
ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፕሳላ፥ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፥ ፖሊስ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርቲን ማእከላት ምዝንጋዕ
መንእሰያትን ዝነጥፉ ስታፍ ፥ 12ን ልዕሊኡን ንዝዕድሜኦም ኮተቴ ዕላማ ብምግባር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብሓባር ክሰርሑ
ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ኣብ 9ን ልዕሊኡን ንዝድሜኦም ቆልዑ ኣተኲሮ ብምግባር ቆልዑ ኣብ
ጒጅለታት ገበን ከይምልመሉ ሓዊስካ ካብ ካልእን ሽግራት ንኽባልህዎም ይንቀሳቐሱ’ለዉ።
“ብ ጒጅለታት ገበን ዝካየድ ምልመላ ቆልዑ ደው ክብል፥ ብእኡ ኣቢሉ’ውን ብመንእሰያት ብዕስለ ዝፍጸም ገበን ደው ክብል ኢና
ንጽዕር ዘሎና። በዚ ድማ፡ ምስ ቆልዑ ንምስራሕ ኣብ ዝነኣሰ ዕድመ ንጅምር ኣሎና” ክትብል ሓላፊት ናይዚ ምንቅስቓስ ሁልደ
ቪቫይ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። ካብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት መንእሰያትን ካልእን እተዋጽኡ ጒጅለታት ብምትእኽኻብ፡
ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን እንታይ ሓድሽ ተርእዮ ኣሎ ንምዝታይ ይራኸቡ’ለዉ።
ኣብ ክሊ ዕድመ 9 ወይ 10 ዝርከቡ ቆልዑ ብፍላይ ገለ ልሙዳት ረቛሒታት ከንጸባርቑ ከም ዝጅምሩ፡ ኣብዚ ዕድመ ዝርከቡ
ቆልዑ፥ ልሙድ ዕዮኦም ገዲፎም ካብኦም ምስ ዝዓብዩ መንእሰያት ክኸዱ ምስ ዝጅምሩ ሓደገኛ ምልክት እዩ ክትብል፥ ኣብ ቤት
ትምህርቲ ሰራሕተኛ “ሶሻል ዎርክ” ዝኾነት ቢትሪስ ዮሃንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com