Thursday , April 25 2024
Anti-government protesters march in Havana, Cuba, (AP Photo/Eliana Aponte) XRM203

ኲባ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ቀረጽ መግቢን መድሃኒትን ኣልዒላ

ኣብ ኲባ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ መንግስቲ፡ ኣብ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገዳስቲ ጥረ ነገራትን ግዜያዊ ምልዓል ቀረጽ ምእዋጁ ተገሊጹ።

ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብዞም ካብ ደገ ዝኣትዉ ኣቕሑ ዝግበር ዝኾነ ናይ መንግስቲ ምትእትታው ከም ዘይህሉ ተመልኪቱ’ሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኲባ ንኣታሕዛ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19፡ ከምኡ ውን ሕጽረት መድሃኒትን መግቢን ኣመልኪቶም፡ ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፍዎ ህዝባዊ ናዕቢ ከም እተኻየደ ዝዝከር እዩ። ሓደ ካብ ጠለብ እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ፡ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ቀረጽ ጠላባት ካብ ወጻኢ ከም ዝደለይዎ ከእትዉ ዝብል እዩ።

ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መላእ ኲባ፡ ዓሰርተታት ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ሓደ ሰብ ምሟቱ እውን ኣመልኪቱ። ኣብ ኲባ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ሰልፊ ምግባር ዘይሓጋዊ ከም ዝቚጸርን ኣብ ፖለቲካዊ ያታ እታ ሃገር ኣዝዩ ሳሕቲ እዋን ዝረአ ኲነት ምዃኑን ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com