Friday , April 19 2024
Christine Olsson/TT

ኹባንያ ኣልኮላዊ መስተ ሽወድን ሲስተምቦላገት ናብ ገዛውቲ መስተ ከባጻጽሕ ክጅምር እዩ!!

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ኣባይቲ ዝበጽሕ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ክሰፍሕ እዩ ተባሂሉ። ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዝኾነ ከተማ ሽወደን ዝቕመጥ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ገዝኡ ኣዚዙ ዝግልገለሉ ኣገባብ ከም ዘዳለወ ኩባንያ Systembolaget ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን ምስቲ ኩባንያ ኣብ ዝተወሰና ከተማታት ሽወደን ኣገልግሎት ክህብ ኣብ 2012 ምስምምዑን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ኣገልግሎት ከስፍሖ ምስምምዑን ተፈሊጡ’ሎ። መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ትካል Systenbolaget ዝመሓደር ኮይኑ ቢራን ወይንን ብመጠን 3.5 ሚእታዊት ኣልኮል ከም ዘዳልዎ ይፍለጥ። እዚ ኲባንያ ኣብ መላእ ሽወደን 430 መኽዘናትን ልዕሊ 5700 ሰራሕተኛታትን ኣለዉዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com