Friday , April 19 2024
Henrik Montgomery/TT

ኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም።

ብኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ዝተኣመመ መንግስቲ እንተስ ክጸድቕ እንተስ ክንጸግ ናብ መስርሕ ምድማጽ ክኣቱ’ዩ ዋላ እኳ ገለ ሰብ-ኪዳኖም ኣብቲ ወሳኒ ሕርያ ኣንጻሮም ከድምጹ ተእኽሎ እንተሎ ሰልፊ ልዙባትን ክርስትያን ደሞክራትን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም።

ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድሪያስ ኖርለን ሎሚ (ሰኑይ 12 ሕዳር) ብወግዒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ዝተኣመመ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነ ንምሕላፍ ኣብቲ ‘ሪክስዳግ’ ብምባል ዝፍለጥ ሓጋጊ ኣካል ሽወደን ረቡዕ ንግሆ ሰዓት 9 ቅድሚ ቐትሪ መስርሕ ምድማጽ ክካየድ እዩ።

እቲ ሓጋጊ ኣካል ነቲ ክምስረት ተኣሚሙ ዘሎ መንግስቲ “እንተዘይተጻዊርዎ”፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ልዕሊ ፍርቂ ወከልቲ ናይቲ ሓጋጊ ኣካል ብድምጺ እንተተቓዊሞሞ ምፍሻሉ ዘይተርፍ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ሓጋጊ ኣካል ዝበዝሑ ኣባላት ዘለዎም ሰልፍታት ብርግጽ ኣንጻሩ ከድምጹ ምዃኖም ይገልጹ ኣለው።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com