Friday , April 26 2024

ወልፊ ቁማር ተኽእሎ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝውስኽ ተገሊጹ።

ካብ ሃገረ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ ወልፊ ቁማር ዘለዎም ሰባት ነፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ተኽእሎኦም ካብ ካልኦት ይልዕል።

ቊጽሪ ወልፊ ቁማር ዘለዎም ሰባት ድሕሪ ምጅማር ኦንላይን ቁማር ምውሳኹ ይፍለጥ።

ነዚ ዝሕግዝ ኦንላይን ዋሕዚ ንዋይ ከኣ ነቲ ጸወታ ቁማር ብናህሪ ከስፋሕፍሕ ጌርዎ ይርከብ።

ተሌቪዥን ሽውደን ምስ ቶሚ ስትሮምስተድት ዕላል ጌራ ኔራ።

ቶሚ ስትሮምስተድት ንዓመታት ካብ ወልፊ ቁማር ክገላገል ብዙሕ ዝጸዓረ ሰብ እዩ። ነፍሰ ቕትለት ከም መፍትሒ ኮይኑ ይረኣዮ ምንባሩ’ውን ገሊጹ’ሎ።

“ድሕሪ ግዜ ክሕለል ጀሚረ፥ መወዳእቱኡ ዝተረፈኒ ነፍሰቕትለት ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ርዒደ” ይብል ቶሚ ስትሮምስተድት።

ስትሮምስተድት ካብዚ ወልፊ ካብ ዝገላገል 15 ዓመታት ኣሕሊፉ’ሎ። ሎሚ ሰባት ብኸመይ ካብዚ ወልፊ ክወጹ ከም ዝኽእሉ ኣብ ምምሃር ይርከብ።

“ወልፊ ቁማር ንምዕጋት ዘኽእሉ 12 ስጒምቲታት ኣዳልየ’ለኹ። በዚ ወልፊ ዝተሳቐኹ በይነይ ከም ዘይኮንኩ ክፈልጥ ክኢለ እየ።

ኣብ መስርሕ ምግልጋል ቁማር እቲ ዝበርትዐ ምቊራጽ ኣይኮነን፡ ናብኡ ፈጺምካ ዘይምምላስ እዩ። ” ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ወልፊ ቁማር ምስ ነፍሰ ቕትለት ብዛዕባ ዘለዎ ምትእስሳር ዝተገብሩ ሒደት መጽናዕቲታት ኔሮም እዮም።

“ወልፊ ቁማር ንተኽእሎ ነፍሰ ቕትለት ብ 15 ዕጽፊ ከም ዝውስኾ ኢና ካብዚ መጽናዕቲ ኣረጋጊጽና” ይብል ፕሮፌሰር ወልፊ ቁማር ኣንድሪው ሆኪን።

ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ወልፊ መስተን ዕጸፋርስን’ውን ካብዚ ዘይንእስ ተራ ከም ዘለዎም ተሰሚርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com