Thursday , March 28 2024

ወሳኒት ሸቶ ብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ሄኖክ ጎይትኦም

ሄኖክ ጎይቶኦም ኣብ ርእሱ ክልተ ድምጺ ጥራይ ነይሩዎ፥ ሓንቲ ኣሉታዊት፡ ሓንቲ ድማ ኣዎንታዊት

ንሓንቲአን ጥራይ ሰሚዑኢ

ኣብታ ካልአይቲ ፍርቂ ጸወታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ነይራትኒ፡ ንሳ ድማ ”ነዚኣ ወስና” እትብል እያ ዝነበረት። ይብል እቲ ናይ  AIK ናይ ደርቢ ጅግና ድሕሪ ኣንጻር ሃማርቢ ዝሰዓበ 1-0 ስዕረት።

ሄኖክ ጎይቶኦም ምልስ ኢሉ በቲ ናይ መበል 14 ደቒቕ ናይ ሪጎረ ስሕታን ተስፋ ብምቝራጽ ጨዲሩ።

ብድሕርዚ ነቲ ርእሱ ብኣሉታዊ ድምጺታት መሊኡዎ።

ብዛዕባዚ ምሉእ መዓልቲ ሓሲበ። ባዶ ብባዶ ተዝኸውንከ? ተሳዒርና ኔርና እንተ ንኸውንከ? ነዚ ንሓደ ርብዒ ሰዓት ዚኸውን ሓሲበሉ። ብዛዕባ ታክቲክ ምንም ኣይሓሰብኩን። ኣብቲ መድረኽ ሰብ ዘይልቦ ኮይኑ ተስሚዑኒ። ብዛዕባ ኵዕሶ ምንም ኣይሓሰብኩን፡ ይብል ጎይቶኦም።

ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ግጥም እቲ ኣርእስቲ ዜና ከመይ ኮን ይኸውን?

“ስነ-ልቦና”

ኣብኡን ሽዑን – ድሕሪ ምስሓት ጎል- AIK ምስ ገዛእ ርእሱ ናይ ስነልቦናዊ መጥቃዕቲ ጀሚሩ። እቲ ካልኣይ ፍርቂ ጸወታ ኪጅምር ከሎ እዩ ኣንፈቱ ኪረክብ ዝጀመረ።

ጸወታ ኵዕሶ ናይ ስነልቦና ኩነት እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ነቲ ሓሳባትካ ክትእዝዞ ይግባእ፡ ከመይሲ ሓደ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኪጽሕፍ ይኽእል እዩ፡ ይብል ጎይቶኦም።

እቲ ዝኾነ ኾይኑ ኣሎ፡ ኩሉ ግዜ ዕድልካ ክትጽበ ኣሎካ፡ ኣነ እንተ ወሲነ ድማ ኩሉ ሰብ ነቲ መቕጻዕቲ ኪርስዖ ኣለዎ- ሕጂውን ኣብኡ ኢና ዘሎና።

ስለዚ ሄኖክ ጎይቶኦም ክሳዕ መበል 76 ደቒቕ ኪጽበ ነይሩዎ ክሳዕ ሕነ ዚፈዲ።

ብኸምዚ ድማ ዕድሉ ተጸቢዩ።

እቲ ኣጥቓዒ ነታ ብነዊሕ እተቐልዐት ናይ ታሪክ ኤልዮኑሲስ ኵዕሶ ናብቲ ማእከል ቦታ ብምውሳድ ብድሕሪ ቦርተረ ዮሃን ዊላንድ ቀሊዑ ኣእቲዩዋ።

እታ ጎል 1-0 ገይራ 3 ሓደስቲ ነጥብታት ኣውሂባ። እታ ጋንታ ኣብቲናይ SM ናይ ወርቂ ግጥም መሪሕነት ኣርእያ። AIK ሕጂ ምስቲ ተሪፉዋ ዘሎ 8 ጸወታታት፡  ካብ ናይ ካልኣይቲ IFK ኖርሾፒን 6 ነጥብታት ንታሕቲ ኣለዋ፡ ከምኡውን ብተወሳኺ 1 ንሃማርቢ።

ጸቕጢ-ወርቂ ወይ ሞሳ ኣይኮነን

ጎይቶኦም ግን ነቲ ዓወት ንናይ ለናርት ዮሃንሶን ናይ ሕዳር ዋንጫ ክብ ንምባል ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ሓደ ወሳኒ ናይ ወርቂ ጸቕጢ ገይሩ ኪርእዮ ኣይደለየን።

ጸቕጢ ይሃሉ ኣይሃሉ — ንሕና ከመይ ጌርና ንየተቦሪ ከም እነውኣ ኢና እንሓስብ። ብዛዕባ ካልእ ክንሓስብ ኣይንኽእልን። ብዛዕባቲ ሰሌዳ ብዙሕ ክንሓስብ ምስ እንጅምር፡ ወይ ድማ ብድሕሪኡ፡ ኣንጻር ኖርሾፒንግ ኪመስል ይኽእል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብኡ ከም ዘየሎና። ኩሉ ሰብ እቲ ዘገድስ ናይ ዮተቦሪ ምውጻእ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፡ ካልእ ኣይኮነን፡ ይብል ጎይቶኦም።

ስለዚ ምስ IFK ዮተቦሪ ምርኻብ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ሓሳብ ሄናክ ጎይቶኦም ዘሎ።

እታ እተሳሕተት መቕጻዕቲ ጌና ኣብ ርእሱ ትዘውር ኣላ። ሓንቲ ደረጃ ጥራይ ምስ ተረፈትኒ፡ ከም እተወደአ ፈሊጠ፡ እዚ ግን ኣብ ጎረሮይ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ነቲ ናይ እግረይ ኩርናዕ ዚምልከት ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን……..

Anders Wallin/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com