Friday , April 26 2024

ወዮ ሙቐት ሓጋይ ኪምለስ እዩ ይብሃል ኣሎ

እምበኣር እቶም ሓጋይ እንፈቱስ ደስ ይበለና! ከመይሲ ካብ ሮቡዕ ኣትሒዙ እቲ ዋዒ ንኹላ ሃገር ኪሽፍና እዩ። እዚ ከም ልሙድ ብሪቲሽ ሳመር ማለት ሓጋይ እንግሊዝ እዩ ዚብሃል፡ ጸሓይ ዘላቶ ኸኣ እዩ። እቲ ዋዒ ዝሰፍነሉ እዋን ውሱን እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ግን ንውሕ ዝበለ ይመስል። እቲ ዋዒ ኣብ ደቡባዊ ስዊድን ናብ 20 ዲግሪ ዚቀራረብ እዩ። ኣብ ሰሜን ግን ልዕሊ 10 ዲግሪ ጥራይ እዩ።

እቶም ግሪል ኪገብሩ ዚደልዩ ወይ ስጋ ኪጠብሱ ዚደልዩ ዕድሎም ሕጂ እያ። ደሓር ግን እቲ ቁሪ ምጅማሩ ኣይተርፍን።

ጸሓይ ብምሉእ ሓይላ ክትወጽእ እያ

ኣቱም ናይ ጸሓይ መረጼኖም ኣብ ተሰሓቢ ወይ ቲረቶ ኣቐሚጥኩምዎ ዘሎኹም ሕጂ ኣውጽእዎ፡ ከመይሲ ዓይኒ እተቃጽል ጸሓይ ትጽበየኩም ኣላ!

ብመሰረት SMHI ንዚመጽእ ቀዳመሰንበት ርጉጽ ትንቢት የልቦን። ኣብ ምዕራብ ስዊድን ዛሕሊ፡ ዝናም ከምኡውን ውርጪ ኪህሉ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com