Thursday , March 28 2024
Stina Stjernkvist/TT

ወዲ 20 ዓመት ተቐማጢ ከተማ ኤስኪልስቱና ብጥይት ተቐቲሉ።

ትማል ምሸት ፖሊስ ናይታ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝቕመጡላ ዞባ ኔቩሽ ጸብጻብ ገበን በጽሕዎም። ፖሊሰ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ምስበጽሑ ሓድ ብጥይት ዝቖሰለ ሰብ ረኺቦም።

እዚ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ዓሪፉ’ሎ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ሸሞንት ሰባት ክሃድሙ ከም ዝረኣየን ብዙሕ ድምጺ ተኹሲ ከም ዝሰምዐን ገሊጹሎ።

ፖሊስ ኣብቲ ሓበሬታ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com