Wednesday , April 24 2024
Foto: Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ወዲ 3 ዓመት ህጻን፡ ክስጉጒ የብሉን ዝብል ተቛውሞ ይብርክት

ዳርጋ ምሉእ ዕድሜኡ ኣብ ስካነ ዝተቐመጠ ወዲ 3 ዓመት ህጻን ንበይኑ ናብ ናይጀርያ ክስጎጒ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ጒዳይ ኣሽሓት ሰባት ከም ዘሳተፈን 130 ሽሕ ሰባት ክታሞም ከም ዘንበሩን ተገሊጹ። እዚ ውሳነ እንድሕሪ ተፈጺሙ እዚ ህጻን መወዳእትኡ ኣብታ ርእይዋ ዘይፈልጥ ሃገረ ናይጀርያ ኣብ መካነ ዘኻትም እዩ ክኸውን። ኣዕባዪቱ ምስ Evening Post ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት “እዚ ህጻን ኣባል ስድራና እዩ” ብምባል ነቲ ውሳነ ምስጓጒ ተቓዊማ’ላ። ሓቀኛ ኣደዚ ህጻን ዕቚባ ሓቲታ ኔራ እያ። እዚ ህጻን ወዲ 11 ወርሒ ኣናሃለወ ናብ መዕበያ ቆልዑ ምእታዉ እንተኾነ ግና ብ ወኪል ስደተኛታትን ቤትፍርዲን ፍቓድ መንበሪ ከም ዘይተዋህቦ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ትገልጽ። ኣቦ እዚ ህጻን ከም ዘይፍለጥን ኣዲኡ ብሕማም ኣእምሮ ከም እትሳቀን ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ኣዲኡ ናብ ናይጀርያ ክትስጎጒ ከም እተገረት ወሲኹ ኣመልኪቱ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣዲኡ ክትኣልዮ ከም ዘይትኽእል እኳ እንተተኣመነ ክኣልይዎ ዝኽእሉ ኣዝማድ ስለ ዘለዉ ክስጎጒ ከም ዝኽእል ገለጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ህጻን ምስዞም ስድራ ዝኾነ ርክባት ሃልይዎ ኣይፈልጥን እዩ ክትብል እታ ጋዜጣ ኣቃሊዓ’ላ። ኣብ ሽወደን ግና ቀጻሊ ዝሓተሉ ሓደ ኣኮ ኣለዎ። ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ ኤጀንሲ ስደተኛታት ካርል በዝሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ውዕል መሰል ህጻናትን ሕጊታት ፍቓድ መንበሪን ዘጋጩ ባእታታት ኣለዎም ኢሉ። ብመሰረት ኣዋጅ ጓኖት ኣብ ውሽጢ መቓን ሕጊ መን እዩ ፍቓድ መንበሪ ክረክብ ዘለዎ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ፥ እንተኾነ ግና ምስ ሕጊ ስደት ኣብ ዝተሓሓዝ ጒዳይ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዚ ጥራይ ክኸውን የብሉን” ክብል ነታ ጋዜጣ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com