Wednesday , April 24 2024
Hussein El-alawi / Sydsvenskan / TT

ወዲ 1 ወርሒ ህጻን ዝኸንሸቡ ወለዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ወለዲ ኣብ ልዕሊ 1 ወርሒ ዝዕድሚኡ ናጽላኦም ናይ ምኽንሻብ ስርሒት ብምፍጻሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

እዚ ገበን ኣብ ወርሒ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ Örnsköldsvik ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እዞም 33 ን 26 ዝዕድሚኣም ሰብ ሓዳር ንናጽላኦም ኣብ ውሽጢ መኪና እዮም ናይ ምኽንሻብ ስርሒት ኣካይዶምሉ።

ብመሰረት ኣኽባር ሕጊ እዞም ወለዲ ምንም ፍቓድ ምክንሻብ ዘይብሎም ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ዝኾነ ጸረቓንዛ እውን ኣይተጠቕሙን።

እቶም ወለዲ ነቲ ተግባር ከም ዝወዓልዎ ኣኳ እንተኣመኑ በዚ ወንጀለኛታት ኣይኮናን ኢሎም ኣለዉ።

ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ እዞም ሰባት “ምሕላው ድሕነትን ተነቃፍነትን ቆልዓ ብዝጻረር ኣገባብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተግባር ፈጾሞም” እዮም ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com