Wednesday , April 24 2024
Foto: Privat

ወዲ 31 ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ሃለዋቱ ምስዋሩ ተገሊጹ።

ኤርሚያስ ተኪአ ዝተባህለ ኣብ ስቶክሆልም ዝቕመጥ ዝነበረ መንእሰይ ግንቦት 31 እዩ ካብ ሆቴሉ ተሰዊሩ ዝበሃል ዘሎ።

ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ ከም ዘይብሎም ከኣ ስድራኡ ይሕብሩ። “ተሻቒልና ኢና ዘሎና” ይብል ሓዉ ኢሰያስ።

“ኤርሚያስ ተኪኤ ብ 4 ግንቦት እዩ ንዕረፍቲ ን ኢትዮጵያ መጺኡ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ተራኺቡ። ግንቦት 21 መልእኽቲ ጽሒፉለይ ኣብ ስራሕ ምህላወይን ጸኒሐ ክድውለሉ ምዃነይን ሓቢረዮ” ይብል ሓዉ ኢሰያስ።

ቤተሰብ ኤርሚያስ ንፖሊስ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደንን ጥርዓኖም ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብዛዕባ ሃለዋት ኤርሚያስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምምልካቶም ዛጊት ግና ዝኾነ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ገሊጹ’ሎ።

ኤርሚያስ ተኪአ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክህሉ ብንጥፈት ዝቃለሱ መንእሰያት እዩ።

ኤምባሲ ሽወደን ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምስዋር ኤርሚያስ ምዝርራብ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com