Thursday , April 25 2024
Foto: Lasse Svensson

ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ ተረኺቡ::

ኣስማት ዕሉላት ገበነኛታት ወይ ጥርጡራት ንህዝቢ ቃልዕ ምግባር ኣብ ጋዜጣታት ሽወደን ሳሕቲ ዝርአ ልምዲ እዩ ።

ካብዚ ያታ ፍልይ ብዝበል ጋዜጣ ኤክስፕረስ ሎሚ ኣብ ማልም ናይ እተቐትለ ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ዛንታ ንኣንበብቲ ኣጽሕያ።

እታ ጋዜጣ ንሳልሕ ዕሉል ገበንኛ ምንባሩን ኣብ ቀረባ ግዜ ፈተን ቅትለት ፈጺሙ ሃዲሙ ምሰዋሩን ተሪኻ።

እቲ ገበንኛ ሎሚ ንግሆ ኣብ ርእሱ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ ተረኺቡ።

ቀታሊኡ መን’ዩ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ብቐረብ ዝፈልጥዎ ሰባት መዋቲ ተፈታዊን ትሑትን ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ማልመ ግና ኣዝዩ ዕሉል ገበነኛ ምንባሩ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com