Friday , April 19 2024

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ሰለስተ ሃገራት ዝግበር መገሻ ንኸይካየድ ይመክር

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣየርላንድ፡ ላትቪያን ኢስቶንያን ንኽገሹ ዝሓስቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 16 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብዘን ሃገራት ብዘይ ኣገዳሲ ምኽንያት ንኸይገሹ መኺሩ።

እዚ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝወጸ መምርሒ፡ ብሕጊ ዝግድድ ዘይኮነ፡ ምኽሪ ምኻኑ ዝሓበረ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ነዚ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሎም ዝገሹ ሰባት ግን ገለ ረብሓታት ብምስኣን ብኣሉታ ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ። ገለ ካብቲ ክስእንዎ ዝኽእሉ ረብሓታት ድማ ናይ መገሻ መድሕን ክኸውን ከምዝኽእል ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com