Tuesday , April 23 2024
Foto: Anders Wiklund / TT kod 10040

ወፍሪ ምርጫ ፓሉዳን ንምክትታል ፖሊስ ሽወደን ልዕሊ 43 ሚልዮን ወጻኢ ጌሮም ።

ድርብ ዜግነት ሽወደንን ደንማርክን ዘለዎ፡ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ዘካየዶ ናይ ምረጹኒ ወፍሪ ንምዕዛብ፡ ፖሊሲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 43 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ምግባሮም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

እዚ ስርሒታት ፖሊስ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን ካልእ መዓልታዊ ዕዮን ሰብ-መዚ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ።

እዚ ይዂንምበር “መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ሓለዋ ክግበረሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ኣካል ክብርታትና ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ነዞም ወጻኢታት ምግባሩ ግቡእ እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣፕሳላ መምህር ፖለቲካዊ ስለ-ፍልጠት ስተን ዊድማልም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com