Friday , March 29 2024

ዋሕዲ ፖሊስ – ናይ ደሞዝ ሕቶ ጥራይ ኣይኮነን

ማሕበረሰብ TT

ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ዓመታት፡ ኣሽሓት ሓደስቲ ፖሊሳት ከም ዘድልዮ ናይ ፖሊስ በዓልስልጣን ሓቢሩ- ስለዚ ነቶም ስራሕ ዘብቅዑ ንምስሓብ ትዅረት ይግበረሉ ኣሎ።

ንደሞዝ ዚምልከት ጥራይ እዩ ምባል ነቲ ጉዳይ ምቅላል እዩ፡ ይብል ናይ የቭለ ፖሊስ ማትያስ ብረድበርይ።

ነቲ ናይ ፖሊስ ትምህርቲ ናብ ኮለጅ ኣብጺሕካ ናይ ሞያነት ብቕዓት ምሃብ። ነቲ ናይ መጀመሪ ደሞዝ ክብ ምባሉን ሽቶ መደብ ምሃቡን። ከምዚ ብምግባር እዩ ንፖሊስ ንምስሓብ እማመታት ቀሪቡ ዘሎ- ወይ ድማ ነቶም ኣብዘን ዝሓልፋ ሾውዓተ ዓመታት ነቲ ስራሕ ጠንጢኖምዎ ዝኸዱ 2000 ፖላይስ ንምስሓብ።

ማትያስ ብረድበርይ፡ ናይ የቭለ ፖሊስ፡ ብዘይካዚ ካልእ ምኽንያት ከም ዘየለ ይገልጽ።

ኣነ ኣብ ቀውዒ 2015 እየ ደው ኣቢለ፡ እቲ ግዜቲ ድማ ኣብ ማእከልቲ ዓቢ ናይ ምውግጋን ግዜ እዩ ነይሩ ይብል ማትያስ ብረድበርይ።

ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ነገራት ዚፍጸም ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ኣብ ርእሲኡውን ሕማቕ ምሕደራ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ፍርያት ዚሰርሑ ዝነበሩ ኣብዚ ኣይተሳተፉን፡ ልክዕ ከም ፍርያት ወረቐት ይመስል፡ ማለት ስቕ ኢልካ ዝሕተም።

ኪምለስ ይደሊ

ንሱ ነቲ ስራሕ ገዲፉ ኣብ ሚግረሽን ከም መራሕ ጋንታ ኣሃዱ መጠየቕታ ይሰርሕ ነይሩ – ግን ነቲ ሞያ ፖሊስ ዝነበሮ ናፍቖት ዓቢ እዩ ነይሩ።

ከም ፖሊስ ኴንካ ምስራሕ ፍሉይ እዩ፡ ኣነ ነቶም ብጾተይን ነቲ ናይ ስራሕ ዕማምን እናፍቖ። ከም ፖሊስ ኴንካ ናብ ደገ ክትወጽእ ከሎኻ እንታይ ከም ዚጓነፈካ ኣይትፈልጥን — ኣብዚ ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ፡ ይብል ብረድበርይ።

ሓቂዩ ናይ ደሞዝ ጉዳይ እውን ኣሎ — ግን ንሱ ኣይኮነን ካልእ ተኽሎታት ንምድላይ ምኽንያት ዝኾኖ።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ እቲ ናይ ቅድም ወሃብ ስራሕ ንማትያስ ብረድበርይ ዘገድሶ ስራሕ ወፊዩሉ። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ማትያስ ብረድበርይ ዝሓለፈ ጽድያ ናብቲ ናይ የቭለ ስራሕ ፖሊስነት ናብ መሳርሕቱ ተመሊሱ ኣሎ።

ናይ ደሞዝ ጉዳይ ጥራይ እዩ ኢልካ ምቕማጡ ምቅላሉ ማለት እዩ። ንሓደ ስራሕ ዘወናውን ዚገብሮ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ ፖሊስ ኣብቲ ናይ ካብቲ ናይ ስራሕ ግዜ ጀሚሩ ክሳዕ ናይ ምዕባለ ዕድላት ዚረክብ ኪነጥፍ የድሊ።

ኦስካር በርይሉንድ፡ ናይ ሰሜን ዞባ ፖሊስ ኮሚሽነር ምስ ብረድበርይ ይሰማማዕ እዩ። ንሱውን ነቲ ስራሕ ራሕሪሑዎ ነይሩ እዩ። ነቲ ናይ ዕረፍቱ ወርሓት ብምጥቃም ካልእ መንግስታዊ ስራሕ ፈቲኑ ነይሩ፡ ማለት ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ከም ሓላፊ ኣሃዱ።

ኣብቲ እዋንቲ ነብሰይ ፈቲሸያ። ኣብ ስራሕ ፖሊስ ክኣቱ ከለኹ ንእሽቶ እየ ነይረ። ግን ብሓቂ ኣብቲ ግዜ ምውግጋን ኣዚዩ ዘናውጽ እዩ ነይሩ፡ ቃንዛ ዘይነበሮስ ኣይኮነን፡ ይብል በርይሉንድ።

“ጸልጻሊ በዓልስልጣን ”

ንሳቶም እቲ ውድብ ወላኳ ብዙሕ ዚጻረ ነገራት እንተለዎ፡ ኪሃድእ ከም ዝጀመረን እቲ ቅርጺ ድማ ከም እተመሓይሸን ከም ዝነጸረን፡

TT: ንስኻትኩም ከም እትርእዩዎ፡ ንፖላይስ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እንታይ እዩ?

ነቲ ናይ ፖሊስ ዕማም ምውዳብ እዩ። ንሕና ናይ ፖሊስ መትከል ዘይኮነ ዕማም ዝሓዘ ናይ ምጽልጻል ሰበስልጣን ኢና ኔርና፡ ይብል ብረድበርይ። ንኣብነት ንሱ ነቲ ነቲ ነዊሕ ናይ ሓገዝ ትራንስፖርት ይጠቕስ፡ ኣዚ ድማ ምስቲ ናይ ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ዚሓቱዎ ናይ ፖሊስ ሓገዝ የነጻጽሮ።

እዚ ድማ ከም ናይ ታክሲ ስራሕ ኮይኑ። ፖሊስ ኣብቲ ናይ ውልቂ ምዕባለ ከተኩር ኣለዎ ይብል በርይሉንድ።

እቲ መፍትሔ፡ ናይ ምዕባለ ዕድላት ምርካብ እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ሰብ ኣብ ናይ ዕቤት መገዲ ኪድይብ ዘገድድ ኪኸውን የብሉን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ድሩት ግዜ ኣብ ናይ ፕሮጀክት መደብ ይሰርሕ፡ ወይ ድማ ነቲ ስራሕ ንምምዕባል ሓደ ክኢላ ንኺሳተፍ ኪገድፎ ኣለዎ።

ማሊን ያንሶን/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com