Thursday , April 25 2024
Theoneste Bagosora (AP Photo/ICTR)

ዋና ሃንዳሲ ህልቂት ሩዋንዳ ሞይቱ

ኣብ 1995 እተኻየደ ህልቂት 800 ሽሕ ዓሌት ቱትሲ ሩዋንዳውያን ብምህንዳስ ተፈሪዱ ኣብ ማሊ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮሎኔል ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

እዚ ቲዮኔስታ ባጎሰራ፡ እተባህለ ወዲ 80 ዓመት ገበነኛ፡ ኣብ እዋን ህልቂት ቱትሲ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር እዩ ኔሩ። ብ UN እተኻየደ መስርሕ ቤት ፍርዲ ንሕልፈት እኳ ፈሪድዎ እንተነበረ ድሒሩ ነቲ ማእሰርቲ ናብ 35 ዓመታት ከም ዘጒደሎ ይፍለጥ።

ቲዮኔስት፡ ብሕማም ልቢ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ሆስፒታል ባማኮ ምሟቱ፡ ወዱ ኣኪለ፡ ገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ን 100 መዓልታት እተኻየደ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት፡ 800 ሽሕ ዓሌት ቱትሲ፡ ከም እተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com