Friday , April 19 2024
UN Secretary-General Antonio Guterres (Maxim Shemetov, Pool via AP) XAZ128

ዋና ጸሓፊ UN: ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

 ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ኣፍጋኒስታን ንምርዳእ ሓገዙ ከወፊ ዋና ጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጸዊዑ። ኣብታ ሃገር መጠን ድኽነት ምውሳኹን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዙሓት ሰባት ብዘይ መግቢ ክተርፉ ምዃኖምን እቲ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ’ሎ።

 

ኣፍጋኒስታን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘይምርግጋእን ስቅያትን ድሕሪ ምሕላፋ ሕጂ ድማ ዝኸፍአ ኲነታት ብቕድሜኣ ይጽበያ ኣሎ ኢሉ።

 

ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም ናብታ ሃገር ዋጋ መግቢ ብናብሪ ምውሳኹን ንዝመጽእ ኣዝመራ ዝፈታተን ደርቂ እውን ተኸሲቱ ምህላዉን ድማ ተገሊጹ።

 

ጣሊባን ሒዞሞ መጺኦም ዘለዉ ቅልውላው ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ምፍራስ ክመርሓ ይኽእል እዩ ዝበለ ጉተረዝ ነዚ ድርብ ሽግራት ንምቅላስ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ልገሳ ክገብር ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ንዘድልዮም 3.4 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ ክውዕል እዩ—ብመሰረት ጉተረዝ።

 

ቻይና፥ ፓኪስታንን ኣመሪካን ዝርከብአን ብርክት ዝበላ ሃገራት ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዝ ክገብራ ምዃነን ኣፍለጠን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com