Thursday , April 25 2024
Peter Dejong/TT

ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ ኢንግሊዝ ከይዳ!!

ኣያክስ ኣምስተር ዳም ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሰማንያትትን መጀመራያ ተስዓታትን ናይ ሎሚ ብመንእስያት ጋንታ ዝተሃንጸት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ቻምፒዮን ብዘእምን ውጺኢት ናይ 1ብ0 ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ዝተዓወተት ኣካል ጽሉል ምሸት ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ቻምፒዮን ኮይና ኣምስያ።

ኣብ ናይ ቅድሚ ዕረፍቲ ጸወታ ን ሜዳ ብምቁጽጻር ብ ማትያ ዲለይ ኣብ 5ይ ደቂቅ ከምእውን ኣብ መበል 36 ደቂቅ ብ ሃኪም ዛይች ሸቶ ብምምዝጋብ ጸወታ ዳርጋ ውዱእ ብምግባራ ንዝተረፈ ደቓይቕ ንስለ ምጽወታ ኣዩ ተርፉዋ ዘይበለ እንተሃሉ ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተጻወቲ ቶተንሃብ ጥራይ እዮም ዝኾኑ ስጋብ እታ ናይ መጨረሻ ደቂቅ ፊስካ  ምጽዋት ጥራይ።

እንተኾነ ጸወታ ድሕሪ ዕረፍቲ ካልእ መልክዕ ብምሕዛ ብ ብራዚላዊ ሉቃስ ሞራ ኣብ ናይ 4 ደቓይቕ ፍልልይ ሸቶታት ብምምዝጋብ ፍናን ተጻወታ ቶተንሃም ካብ ኣፍ ዕረበት ናብ ብልጭታ ተስፋ ክሰጋገር ግዜ ዘይወሰድ ህሞት ዝተቀልቀለ። ኩሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ሎሚ ኸ እንታይ ጹሉል ምሸት ይኸውን ብምባል ከብዱ ብምሕቓ ብተመስጦ ምዕዛብ ኮነ። ኣያክሳውያን ቁሩብ ለውጢ ብምግባር ሓደገኛታት ፈተነ ብምግባር ሓልዊ ልዳት ሎሪስ ኣብ ሓያል ስራሕ ተጸምደ። ግዜ 90 ናይ ጸወታ ግዜ ተወድኡ ናይ ዝብኸነ ግዜ ማእከላይ ዳኛ 5 ደቓይቕ ወስከ ሲጋብ 4 ደቒቕ ብዘይ ለውጢ እንተ እታ ናይ መወዳእ ደቒቕ ታርኽ ሰኒዳ ሉቃስ ሞራ ሓትሪክ ብምስራሕ ዓወት ቶተንሃም ኣበሰረ ክለብ ኣያክስ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ንዘልኣለም ጸላም ምሸት ሰኒዳ ሓሊፋ።  በዚ ውጽኢት ቶተንሃም ንፈለማ ግዜ ኣብ ግጥም ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ብምሕላፍ ን ናይ ሓደ ሰነ ናይ ፍጻመ ግጥም ምስ ጋል ሃገራ ሊቨርፑል ኣብ ከተማ ማድሪድ ክትፋጠጥ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com