Friday , April 19 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ።

እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን ኣኒካ ቫለንሾግ ገሊጻ’ላ።

ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መግቢን ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ ዝመጽእ መዘዝን ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ተሻቒለን ምህላወን ቫላንሾግ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com