Thursday , April 25 2024
Credit: Chris Anderson/TT

ዋጋ ገለ ፍርያት ምስ ግዜ ከጒድላ ምዃነን ሱፐርማርኬታት ሽወደን ገሊጸን።

ንኣዋርሕ ድሕሪ ዝቐጸለ ልዑል ዝቕባበን ዋጋ መግቢን፥ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዝዓበያ ሱፐርማኬታት ምስ ግዜ ምጒዳል ዋጋ ገለ
ፍርያት ክገብራ ምዃነን ኣፍሊጠን። እዚ ዝገብራሉ ዘለዋ ምኽንያት መዓልታዊ ዝሃልኩ ገለ ኣቕሑ ዋጋኦም ኣመና ብምዝያዱ
ምዃኑ ገሊጸን። ከምኒ “ኩፕ”፥ “ኣይ ኢ ኤ” ከምኡ’ውን “ሊድል’ ገለ ምጒዳል ዋጋ ክገብራ እየን። ወናኒ “ዊሊ”–
ኣክስፉድ– ከኣ ድሮ ምጒዳል ዋጋ ምግባሩ ገሊጹ’ሎ።
ሽመትቲ ነዚ ምጒዳል ዋጋ ክግበር እዩ ዝብል ዜና ብጽቡቕ ከም ዝቕበልዎ፡ እንተኾነ ግና ገለ ሻቕላታት ከም ዘለዎም እዮም
ዝገልጹ። እዘን ሱፐርማርኬታት ኣዝዩ ገዚፍ መኽሰብ ዘለወን ብምዃናን ካብዚ ዝበለጸ ክገብራ ምኸኣላ ኔረን ክትብል ሓንቲ
ወሃቢት ርእይቶ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ኸኣ እዚ ምጒዳል “ምስ ግዜ” ዝብል ሓረግ ተነቢሩሉ’ሎ–እዚ
ግዜ መኣስ እዩ? ክትብል ሓቲታ።
መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ናጻ ዋጋታት–“ማትፕሪስኮለን” ኡልፍ ማዙር "እዚ ጽቡቕ ተበግሶ እዩ፥ ግና ጽቡቕ ምጅማር እምበር
እኹል ስጒምቲ ኣይኮነን” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com