Thursday , April 25 2024

ውልቀ ሰባት፡ ንዝዋሃቦም ዓይነት ክታበት ክመርጹ ከምዘይክእሉ ተሓቢሩ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ተመዲቡ ዘሎ ውጥን ክታበት፡ ውልቀ ሳባት፡ ፍርያት ናይ ኣየነይቲ ኩባንያ ንክኽተቡ ከምዝደልዩ ንኸምርጻ መደብ ከምዘይብለን፡ ሬድዩ ኢኮት ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ።

ውሕስነት ናይቶም ክታበታት ዝተረጋገጸ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት፡ ስግኣት ዘለዎ ኣይኮነን ዝበለት ተሓጋጋዚት ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ ኣብ ሃላንድ፡ ማርያ ሎቭግሪን፡ ቀረብ ናይቲ ክታበት ከም ኣድላይነቱ ክሳለጥ ምዃኑ ሓቢራ።

መሰረታዊ መርገጺ ምምሕዳር ስኮነ፡ ውልቀ ሰባት፡ ዝኽተብዎ ዓይነት ክታበት ክመርጹ ዕድል ከምዘይህብ እኳ እንተኾነ፡ ሰባት፡ ከም ኩነታት ጥዕነኦምን፡ ከጋጥሞም ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝደልይዎ ክታበት ንኽኽተቡ ናይ ምምራጽ ተኽእሎታት እንተድኣ ሃልዩ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com