Saturday , April 20 2024

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንለበዳ ኮቪድ ብዝምልከት ሓባራዊ መደብ ስራሕ ጀሚሩ

ኣባል ሃገራት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ቐጻሊ ከጋጥም ዝኸእል ዓለምለኻዊ ለበዳ ሕማም ንምግታእ ዘኽእለን ሓባራዊ ኣህጉራዊ ስምምዕ ንምጅማር ተሰማሚዐን፡፡

ጉባኤ ጥዕና ዓለም (WHA)፡ ከምኡ ውን እቲ ወሳኒ ኣካል ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)ን፡ ብሓባር ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኸእል ለበዳ ንምክልኻል፡ ብኸመይ ግብረ መልሲ ምሃብ፡ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ዘኸእል ምይይጥ ንምክያድ፡ መሰረት ዘዳሉ ኣህጉራዊ መንግስታዊ ናይ ውዕል ኣካል ንክቖውም ኣብቲ ን 3 መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ወሲኖም ክብል ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ካብ ጅኔቫ ጸብጺቡ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ፡ ተወካሊት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት፡ ሎተ ክኑድሰን፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ለበዳ ብሓባርን ብዉጸኢታዊ መንገድን ምላሽ ንምሃብ ምእንቲ ከኸእል፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጥዕና፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምንጫው ከም ዘድሊ ገሊጻ፡፡

ስለዚ፡ ጉባኤ ጥዕና ዓለም ዘሕለፎ ውሳኔ፡ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ክወድቕ እዩ፡ እቲ ኩነታትን ዜጋታትናን ዉን ንሱ እዮም ዝጠልቡ፡፡ ለበዳ ንምክልኻል ግድን ክንሕይል ኣለና! ኣብ መጻኢ፡ እንደገና ናብ ተመሳሳሊ ናይ ለበዳ ሕማም ንከይንወድቕን ንከጋጥም ዝኽእል ለበዳ፡ ግቡእ ግብረ መልሲ ንምሃብን ድልዋት ክንከውን ኣሎና ብምባል ኣኼብኡ ብለበዋ ዛዚሙ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com