Thursday , April 25 2024
Andre Penner/TT

ውድድር ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብ ዓወት ብራዚል ኣብዝጀመረሉ ብቕዓት ብራዚል ግን ንደገፍታ የሻቕል!!

ብውድድር ኮፓ ኣመሪካ ዝፍለጥ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ላቲና ኣመሪካ ሎሚ ዓመት ን ሃገራት ቐጠርን ጃፓን ሓዊሱ ውድድራቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ርዮ ዲጀነሮ ናብ ሎሚ ኣብ ዘግሔት ለይቲ ብ ዓወት ብራዚል 3 ብ 0 ኣብ ልዕሊ ቦሊቭያ ብምዕዋት ውድድሩ ፈሊሙ።

ኣብዚ ኮቲንሆ ተጻዋታት ክለብ ባርሶሎና ኮኸብ ኮይኑ ኣብ ዘመሰየሉ ክልተ ሸቶታ ብምምዝጋብ ክደምቕ ከሎ ዝተረፈት ሸቶ ድማ ካብ ኤቨርተን ረኪባታ።

ኣብዚ ስጋብ 50 ደቓይቕ ብ ሃገራዊት  ጋንታ ቦሊቭያ ተመኪታትሉ ዘምሰየት ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ካብ ትጽቢት ደገፍቲ ወጻኢ ትሑት ብቕዓት ብምንጽብራቓ ኣደዳ ነቐፌታ ኮይና ኣላ። በዚ መሰረት ደገፍቲ እዛ ጋንታ ኣዝዮም ብምሽቓ ዝኮነ ለውጢ ብምግባራ ንኽትበራበርን ናብቲ ትፍለጠሉ ቕዲ ጸወታ ክትምለስ ይሓቱ ኣለው።

ዝቕጽል ጸወታ ኮፓ ኣመሪካ ምስ ብራዚል ኣብ ሓደ ምድብ ዝርከባ ቬንዝወላ ምስ ፐሩ ካብ ሰዓት 9 ብ ኣቖጻጽራ ኤውሮጳ ኣርጀንቲናን ኮለምፒያን ድማ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚረን ውድድራተን ከሰላስላ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com