Thursday , April 25 2024

ውድድር ሻምፕዮና “ኣይስ ክሪም” ኣብ ስቶክሆልም ተኻዪዱ።

ናይ መወዳእታ ግጥም ሻምፕዮና “ኣይስ ክሪም” ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ተኻዪዱ። ኣብዚ ውድድር፥ ካብ መላእ ሃገር
ተጻርዮም ዝሓለፉ 24 ተወዳደርቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ ምድባት ተወዚዖም ተሳቲፎም ኣለዉ። ዓሚ ሻምፕዮን ዝነበረ ኬኒ ማተን፥ ዳኛ
እቲ ውድድር ኮይኑ’ሎ። ንሱ ን ተወዳደርቲ ኣብ ዝሃቦ ማዕዳ፥ “ልብኹም እንታይ ትብል ኣላ ስምዑ፡ መሃዝነትኩም ኣማዕብሉ፥
ተስፋ እንተዘይቆሪጽኩም ሻምፕዮን ክትኮኑ ኢኹም" ኢሉ’ሎ። እቲ ናይ ዳንነት ዕዮ ብልቦና ዝካየድ እኳ እንተኾነ ኲሉ ዝተማልአ
ምዃኑ ንምርግጋጽ ቅርጻ እቲ ስራሕ እውን ከም ዝረአ ማተን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
“ንሰዓራይ ጥዕም ምስ ኣበልካዮ ኢኻ ተለለዮ። ኣዝዩ ቀሊል እዩ ዝመስለኒ” ኢሉ።
እዚ ውድድር፥ ኣብ ኣርባዕተ ምድባት ዝተኸፍለ ኮይኑ፡ ሓደ ካብዚ ኣይስ ክሬም ብናይ ገዛእ ርእሶም ምህዞ ንኸቕርቡ ንተሳተፍቲ
ዘተባብዕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com