Saturday , April 20 2024
AFP

ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ሊቨርፑል የሰናብት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን የራኽብ!

ሊቨርፑል ካብ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ተኣልያ። ትማሊ ምስ ክለብ ዎልቭስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ዝበዝሑ ቆወምቲ ተሰልፍቲ እዛ ጋንታ ብምዕራፋ 2 ብ 1 ብዝኾነ ውጺኢት ኣብ ናይ ሳልሳይ ዙር ተሳናቢታ። ክለብ ሊቨርፑል ብዘይ ተኸላኻላይ ቫን ዳይክ ንሳልሳይ ግዜ ዝገብረቶ ጸወታ ስዕረት ኣጋጢምዋ።

ካልእ ከምዚሉ ከሎ ራብዓይ ዙር ዕጫ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ኣራኺቡ።

ዓወት ውድድር ኤፍ ኤ ካብ በዘን  ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናል 13 ግዜ ማንቸስተር 12 ግዜ ብምዕዋት ዝተባሕተ ኮይኑ ኣርሰናል መሪሕነታ ንምዕቃብ ማንቸስተር ነዚ ክብሪ ንምትዕርራይ ኣብ ራብዓይ ዙር ከጠማጠማ እየን። እዚ ብ ኣጉኡ ኣቃልቦ ብዝሓት ረኺቡ ዘሎ ጽወታ ብ ሓደሽቲ ኣሰልጠንተን ተስንየን ኣብ ሜዳ ኢመሬትስ ካብ ጥሪ 18 ውድድረን ከሰላስላ እየን።

ድልድል ውድድር 4 ይ ዙር ኤፍ ኤ ካብ ከምዚ ይመስል

Swansea City v Gillingham
AFC Wimbledon v West Ham
Shrewsbury Town/Stoke City v Wolves
Millwall v Everten

Brighton and Hove Albion v West Brom
Bristol City v Bolton Wanderers
Accrington Stanley v Derby County/Southampton
Doncaster Rovers v Oldham Athletic
Chelsea v Sheffield Wednesday/Luton Town
Newcastle United/Blackburn Rovers v Watford
Middlesbrough v Newport County
Manchester City v Burnley
Barnet v Brentford
Portsmouth v QPR
Arsenal v Manchester United
Crystal Palace v Tottenham


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com