Wednesday , April 24 2024

ውድድር ኦሎምፒክ መንእሰያት ዓለም  2022  ንኣፍሪቃ ተዋሂቡ

ሰኔጋል ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሙኻን ን ውድድር ኦሎምፒክ መንእሰያት 2022 ንከተዳሉ ተሓጽያ። ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ተወሂብዋ ዘይትፈልጥ ኣፍሪቃ ሕጂ ን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝካይድ ውድድር ብመንገዲ ሰኔጋል ትረኽቦ ዘላ።

እዚ ውድድር ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ሰኔጋል ማለት ዳካር፣ ዴምኔዶን ሳሊን ዝካየድ ኮይኑ  ንኹሉ ዓይነት ስፖርት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብ ኩሉ ዓይነት ዝሳተፊ ኣተለታት ከእንግዳ እየን። ሰኔጋል እዚ ዕድል ዝረኸበት ነዚ ሎሚ ኣብ ኣርጀንቲናዊት ከተማ ቦይነስኣይረስ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ ን ደቂ ኣህጉራ ዝኾና ሃገራት ቦትስዋና፣ ናይጀርያ፣ ቱኒዝያን ጋናን ድሕሪ ምስዓር  እያ።

ውድድር መንእሰያት ዓለም ኣብ ክሊ ዕድሜ 14 ስጋብ 18 ዘሳትፍ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ግብጺ ኣብ 1936 ከምእውን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2004 ከዳልዋ እካ እተሓተታ ኣብግዚኡ ክሰልጠን ብዘይምኻሉ እንሆ ሕጂ ብ መንገዲ ሰኔጋል ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ የምርሕ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com