Wednesday , April 24 2024

ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሃገራት ኤውሮፓ

ሽወደን Vs ፖርቱጋል

ዕለት፡ 8 መስከረም 2020

ሰዓት፡ 8:45 ምሸት

ሜዳ፡ ፍሬንድስ ኣሬና

ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መንጎ ጋንታታት ምድብ 3 ዝኾና ሽወደንን ፖርቱጋልን ኣብ ሜዳ ፍሬንድስ ኣሬና ክካየድ እዩ። ፖርቱጋል፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ክሮኤሽያ 4 ብ 1 ተዓዊታ ክትመጽእ እንከላ ሽወደን ግን ብፈረንሳይ 1 ብ 0 ከምተሳዕረት ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት፡ ሽወደን፡ ክልተ ግዜ ስዒራ፡ ክልተ ድማ ተሳዒራ ሓንሳብ ድማ ማዕረ ወጺኣ። ፖርቱጋል ድማ ሰለስተ ግዜ ክትዕወት እንከላ ክልተ ግዜ ድማ ብማዕረ ተፈላልያ ምንባራ ይዝከር።  

ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣንጻር ክሮኤሽያ ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ ብሰንኪ መጉዳእቲ ከምዘይተሰለፈ ይዝከር። ጽባሕ ግን ኣብ ጸወታ ክሳተፍ ምዃኑ ኣሰልጣኒ ፖርቱጋል፡ ፈርናንዶ ሳንቶስ፡ ሓቢሩ ኣሎ። ኣለክሳንደር ኢሳቕ ምስቶም ቀዳሞት 11 ናይ ምስላፍ ተኽእልኡ ትሑት ምዃኑ ኣሰልጣኒ ሽወደን፡ ያነ ኣንደርሶን፡ ገሊጹ።

ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ሽወደንን ክሮኤሻን ኣብ ምድብ 3 ይርከባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com