Wednesday , April 24 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT.

ውጽኢታት ምርጫ ባይቶ ኣውሮጳ ኣብ ሽወደን ተዛዚሙ!!

 ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ብልዕሊ 23.6 ሚእታዊት 5 መናብር ብምዕዋት ዝዓበየ ሽወደናዊ ሰልፊ ኣብ ኣውሮጳዊ ባይቶ ክኸውን እዩ።

ናይ ዓቃባውያን መርገጺ ዘለዎም ስልፊ ስቫርያ ድሞክራት 15.4  እታዊት  ብምርካብ ዛዚሙ’ሎ።

እዚ ድማ ኣብ ባይቶ ኣውሮጳ ካብ ዘለዉ ሰልፊታት ሽወደን ብዕቤቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዝስራዕ ጌርዎ’ሎ።

እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ ሞደራትና 16.8  ሚእታዊት ኣርባዕተ መናብር ሓምላይ ወይ ሚልዮ ሰልፊ ከኣ 11.4 ሚእታዊት ብምርካብ ኣብ ራብዓይ ደርጃ  ተሰሪዖም ይርከቡ።

ብመሰረት ናይ ሎሚ ውጺኢት ሓምላይ ሰልፊ ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ተሳዒሩኳ እንተነበረ ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ናብ 9.5 መናብር ብምሓዝ 4.4 ሚእታዊት ክረክብ ኪኢሉ ኣሎ።

ሰልፊ ተበግሶ ደቀንስትዮ 0.8% ሚኢታዊት ብምርካብ ኣብ  ደረጃ ተሰሪዑ።

ዝተረፈ ሰልፍታት ድማ ሰንትራል ፓርቲ 10.8%, ክሪስት ደሞክራትና 8.7%, ጸጋማይ ወይ ቬንስተር ፓርቲ 6.7% ከምእውን ሰልፊ ሊቨራልና 4.1% ብምርካብ ብቕድመ ተኸተል ንረኽቦም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com