Thursday , April 25 2024
More than 420 migrants were rescued by the Italian coastguard on Saturday. Earlier this week, 75 people died in the Mediterranean. (AP Photo/Alessandra Tarantino) ALT102

ው.ሕ.ሃ. . . . 420 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ድሒኖም

ብቐዳም፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ 420 ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደገኛ ኩነታት ባሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፎም፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጣልያን፡ ከም ዝደሓኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ኤውሮጳ ብጃልባ ገይሮም ክሰግሩ ዝፍትኑ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ጃልበኦም ድሕሪ ምብልሻዋ፡ 75 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 15 ሰባት ድማ ብገፈፍቲ ዓሳ ድሒኖም ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ወደብ ዙዋራ፡ ከምዝተወስዱ ዓለምለኻዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ሓቢሩ።

ካብ ገማግም ሲስሊ፡ 115 ኪሎ ሜተር፡ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዝደሓኑ 420 ስደተኛታት፡ 40 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝርከብዎም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ብምሉኦም ናብ ሲስሊ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ።

ብጀካ እዚኣቶም፡ 70 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጣልያን ድሒኖም ናብ ደሴት ላምፐዱሳ፡ ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።

መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት፡ 1400 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ማሕበር ስደተኛታት ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com