Wednesday , April 24 2024
People and security forces gather at the site of a bombing in Wahailat market in Sadr City, Iraq, Monday, July. 19, 2021. (AP Photo/Khalid Mohammed) BKM110

ዒራቕ፡ ብመጥቃዕቲ ቦምብ፡ 35 ሰባት ይሞቱ

ኣብ ድሮ ዒድ ኣላድሓ፡ ኣብ ከተማ ሳድር፡ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከብዎ ዕዳጋ፡ ኣል-ዋሒላት፡ ብዝተኻየደ ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 35 ሰባት ምሟቶምን ዓሰርተታት ሰባት ምቚሳሎምን ተገሊጹ።

ዝተቘራረጸ ኣካላት ግዳያት፡ ኣብቲ ንዒድ ሽመታ ዘካይድሉ ዝነበሩ ዕዳጋ፡ ፋሕ ኢሉ ይረአ ምንባሩ ቢቢሲ ጸብጺቡ። ዛጊት 60 ዝኾኑ ቆሲሎም ምህላዎም ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፡ ገሊኣቶም ካብዞም ቊሱላት ብኸቢድ ዝተሃስዩ ብምዃኖም ቊጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ዳዕሽ (ISIS) ሓላፍነት እዚ መጥቃዕቲ ወሲዱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com