Saturday , April 20 2024

ዓለም ብዛዕባ ጉዳይ ካሾጊ ጥዑይ መልሲ ትጽበ

እቲ ስዑዲ ዓረብ ንካሾጊ ዚምልከት ቅትለት ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ ዓለም ተቐባልነት እናሰኣነ ይኸይድ ኣሎ።

ክሳዕ መልሲ ዚርከብ ኣይዓገብኩን ይብል ፕረሲደንት ኣመሪካ ትራምፕ።

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅትለት ክትክሕዶ ምስ ቀነየት ኣብ መወዳእታ ግን ኣሚናትሉ፡ ይኹንምብር እቲ ሬሳ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይሓበረትን። ንሳ ከም እትብሎ፡ ካሾጊ ድሕሪ ገለ ባእስን ዕግርግርን እዩ ሞይቱ።

ኣብዚ ጉዳይዚ፡ ሓያሎ ሃገራትን ውድባትን ተቓውሞአን የስምዓ ኣለዋ፡ ሕጂ ድማ ኣውስትራልያን ካናዳን ተወሲኸንአን ኣለዋ።

“እቲ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ድልዱልን እሙንን ኣይኮነን” ይብል ናይ ካናዳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ።

“ቅኑዕ ኣይመስልን”

ናይ ኣውስትራልያ ቀዳማይ ሚኒስተር እውን ተመሳሳሊ መርገጺ ወሲዱ ኣሎ።

ናይ ንዩዘላንድ ሚኒስተር ንግዲ ድማ እቲ ንወፍሪ ዚምልከት ኣብ ስዑዲ ኪካየድ ዚሕሰብ ዘሎ ኣኼባ ኩለን ኣውፈርቲ ኪነጽጋኦ ይሕብር።

ማርኮ ሩብዮ፡ ናይ ኣመሪካ ረፑብሊካዊ ሰነይተር ብወገኑ፡ እቲ ገበነኛ ኪቕጻዕ ከም ዘለዎ ይጠልብ።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ መጀመርያኳ ነቲ መግለጺ ስዑዲ ዓረብ ዝኣመነሉ ይመስል እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ቅሩብ ይተርር ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣዕሩኽ ካሾጊ ንስዑዲ ዓረብ ሬሳ ናይ ካሾጊ ንኸተምጽኦ ይጠልቡ ኣለዉ።

ሬሳኡ ሃቡና መታን ክንቀብሮ፡ መታን ኣብቲ ቀብሩ ኩሎም መራሕቲ ዓለም ኪመጹ፡ ይብል ሓደ ብጻይ ካሾጊ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ ሓበሬታ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com