Wednesday , April 24 2024
Foto: Tomas Oneborg/SvD/TT

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ።

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ብዝተፈለለየ ምኽንያታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ። ገለ ካብዞም ምኽንያታት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዕድጊ ምክያድ ከምኡወን ፓስፖርትኻ ንመቕርብካ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንክፍጽሙሉ ምሃብ እዮም።

ዝሓለፈ ዓመት 2018 ፖሊስ ልዕሊ 65 ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ፓስፖርቲታት ከም ዝሰረዙን እዚ ምስ ናይ 2017 ብምንጽጻር ብ 700 ዓብዩ ከም ዝርከብን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

በዓልቲ መዚ ሃገራዊ ስርሒት ፖሊስ ኤሚሊ ሊንድቮል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ቊጽሪ ዝወሰኸሉ ምኽንያት ኣብ 2016 ዝተኣታተወ ሕጊታት እዩ በሃሊት እያ።

ሽዑ ዝተኣታተወ ሕጊታት ሓደ ሰብ ኣብ ዓመት እንተበዝሐ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ክሳብ ሰለስተ ፓስፖርት ከውጽእ ይድንግግ ኔሩ።

ፖሊስ ንባዕላቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ብውሑዱ ዓመት ናይ ዝጸንሑ ሰባት ቊጽሪ ፓስፖርት ዝቕምር ኣዝዪ ሓድሽ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምታትታዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓድሽ ሕጊ ፓስፖርት ኣብ 2016 ቅድሞ ምጽዳቑ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝደለዮ ግዜ ፓስፖርት ከውጽእ ይፍቀደሉ ኔሩ።

ኣብ ዓመታት 2009 ክሳብ 2013 1441 ዝኾኑ ሰባት ሓሙሽተ ሳዕ ፓስፖርት ከም ዘውጽኡ ተመዝጊቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com