Friday , April 19 2024
Junge, Heiko/TT

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ (social democrats) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ።

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ውጽኢት እኳ እንተረኽበን ብዙሕ ቅሬታታት ኣብ ውሽጡ እኳ እንተለዎን ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ።

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ምስ ዝዓዪ መራሒ ማሕበር ተሃድሶ Markus Kalifatides ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እቲ ሰልፊ ግቡእ ክትዓት ክካየድ ዘይምጽንሑ ክትርዳእ ክኢላ’ላ።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ሬድዮ ሽወደን Thomas Ramberg ኮንፈርንስ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኮነ ኢሉ በዳህቲ ሕቶታት ይጎሲ ኣሎ፥ እዚ ሰልፊ ምስ ሊበራላውያንን ማእከላይን ብዝገበሮ ስምምዓት እምበር በቲ ዝሓምጸጾ ማኒፈስቶ ኣይኮነን ዝምራሕ ዘሎ ክብል ይገልጽ ።

ይኹን’ምበር ከምዚ ዝበሉ ጒዳያት ካብ ገበላ እቲ ኮንፈረንስ ሓሊፎም ይዝተዩ የለዉን ክብል Ramverg ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com