Thursday , April 25 2024
Foto Claudio Breskiani / TT kod 10090

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ኣብ ዩክሬይን ኣለዉ።

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ሕጂውን ኣብ ዩክሬይን ምህላዎም ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ካብ ወርሓ ጥሪ ኣትሒዙ ነዞም ዜጋታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ክሕተቱ ምጽንሖም እቲ ሚኒስተሪ ሓቢሩሎ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ዜጋታት ናብ ዩክሬይን ከይጐዓዙ ከጠንቅቕ ምጽንሑን ሕጂ ኣብ ዩክሬይን ክንደይ ዝኣኽሉ ኖርዌጃውያን ከም ዘለዉ ልክዕ ኣሃዝ ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን ሰብመዚ እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹሎ።

“እንተኾነ ግና ብ ዓሰርተታት ዝቚጸሩ ዜጋታት ኖርወይ ከም እተመዝገቡ ንፈልጥ ኢና” ክብል በዓልመዚ ፕረስ ጉሪ ሶልበርግ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኲሎም ኖርዌጃውያን ክምዝገቡ ከም ዝለዎም ዝተላበወ ሶልበርግ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቶም ዜጋታት ንምውጻእ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

“ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲነታት ምልቃቕ እዞም ዜጋታት ንምስላጥ ዘኽእል ኣይኮነን። ነዚ ንጥፈት ዝኸውን ውጥን የለን” ኢሉ’ሎ ሶልበርግ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com