Thursday , March 28 2024
President Joe Biden (AP Photo/Andrew Harnik) DCAH138

ዓበይቲ ትካላት፡ ክታበት ኮቪድ ክግድዳ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ጸዊዑ

ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ዘለወን ትካላትን ኩባንያታትን፡ ሰራሕተኛታተን፡ ክታበት ኮቪድ ክኽተቡ፡ ወይ ድማ ሰሙናዊ መርመራ ኮቪድ ከካይዱ ክጠልባ ከምዘለወን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር ተባሂሉ ክውሰድ ዝሕሰብ ዘሎ ስጉምቲ፡ ንልዕሊ 100 ሚልዮን፡ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን ሰክተራት ዝሰርሑ ዜጋታታ ኣሜሪካ ክጸሉ ከምዝኽእል AFP ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።  

ኣሜሪካዊ ክፍሊ ዕዮ፡ ኣብ ልዕሊ 80 ሚልዮን ናይ ብሕቲ ሰራሕተኛታት፡ ግዴታዊ ክትባት ዝእዝዝ ግዝያዊ ውሳኔ ከመሓላልፍ መደብ ከምዘለዎ፡ ዎልስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

እተን ነዚ መምርሒ ዘየተግበራ ኩባንያታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ጥሕሰት ሕጊ፡ክሳብ 120 ሽሕ ክሮነር መቕጻዕቲ ክኸፍላ ክግደዳ ምዃነን፡ እቲ ጆርናል፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ንሰራሕተኛታት መንግስታውያን ትካላት መዲኬርን መዲክኤይድን ዝኸውን ክታበት ንምውሓስ፡ 17 ሚልዮን ዶላር ከድሊ ምዃኑ፡ ባይደን፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com