Tuesday , April 16 2024
Credit: UNHCR

ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ንተርጎምቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ማልታ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት( UNHCR) እቲ ትካል ቀንዲ ተልእኾኡ ንዝኾኑ ዕማማት( ማለት ምምዝጋብ ምቕባል ምስፋርን ምክትታልን ስደተኛታት) ኣብ ምፍጻም ወሳኒ ተራ ይጻወቱ ዝበሎም ተርጐምቲ ቋንቋ ትግርኛ ክቆጽር ስለዝደለየ ደለይቲ ስራሕ ከተመልክቱ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ትሕብር።

ኣብዚ እዋን እዚ ትካል ኣብ ኣድላዪ ቦታ ተመዲቦም ናይ ዝሰርሑ ተቘጸርቲ መዝገብ ኣብ ምድላው ተጸሚዱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብኸመይ ተመልክት፥ ከተመልክት ድሌት እንተሎካ ምሉእ ሓበሬታኻ ዝሓዘ ሰነድ (CV) ናብ ኣድራሻ mtava@unhcr.org ልኣኽ።

ኣብቲ ኣርእስተ ነገር ዝብል ባዶ ቦታ ናይ ተርጓማይ ስራሕ ንምምልካት ኢልካ ምልኣዮ። ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣቕልበለን።

ኣመልከትቲ ናይ መንነት ወረቐት ናይ ስራሕ ፍቓድ ሕሳብ ባንክን ቊጽሪ VATን(ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ) ኣብ ማልታ ክህልዎም ይግባእ።

እቶም ኣዎንታዊ ውጺኢት ዘምጽኡ ጥራይ እዮም ንናይ ጽሑፍ መርመራን ቃለመጠይቕን ክሕጸዩ። ሓደ ካብ ዓበይቲ መትከላት UNHCR ብዙሕነት ምእንጋድ ኮይኑ ኣብ ኣመልከትቲ ናይ ስንክልና፡ ጾታ፡ ኲነታት መርዓ ፡ ዓሌት ፡ ሕብሪ ቈርበት፡ መበቈል፡ ብሄር ወይ ጾታዊ ልምምድ ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ዝኾነ ደረጃ ምቚጻር ክፍሊት (ምምልካት፥ ቃለመጠይቕ ይኹን ስልጠና) ኣይፍጽምን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com