Tuesday , April 23 2024

ዓወት ተስፋየሱስ ፡ ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፈደራላዊ ባይቶ ጀርመን

ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ ፡ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፈደራላዊ ባይቶ ጀርመን
ኤርትራዊት-ጀርመናዊት ዓወት ተስፋየሱስ ፡ ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፈደራላዊ ባይቶ ጀርመን ንምዃን በቒዓ።
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ፡ ኣብ ሻዱሻይ ዓመት ዕድሜኣ ምስ ስድራቤታ ናብ ጀረመን ዝተሰደት ዓወት፡ ምህርቲ ሕጊ ኾይና፡ ከም ተሓላቒት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኽትነጥፍ ዝጸንሐት እያ።
ዓወት ተስፋየሱስ፡ ኽካየድ ኣብ ዝቐነየ ሓፈሻዊ ምርጫ ጀርመን፡ ንሓምላይ ሰልፊ ወኪላ ንባይቶነት እታ ከም ፍራንክፈርትን ካሰልን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከባኣ ዞባ ሄሰን ተወዳድራ እያ ተዓዊታ ዘላ። ስለዝኾነ፡ ኤርትራዊት ዓወት፡ ኣብ ፈደራላዊ ባይቶ ጀርመን ማለት ‘ቡንደስታግ’ መንበር ዝወነነት ናይ ፈለማ ጸላምን ጸላም ጓል ኣነስተይቲን ኽትከዉን በቒዓ ኣላ።
ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኦሻንያን፡ ፖለቲካዊ መናብር ናይ ዝሕዙ ዘለዉ ኤርትራዉያን ቊጽሪ ይዓቢ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንክፍለ-ሃገር ኮሎራዶ ወኪሉ ኣባላነት ኮንግረስ ኣውሒሱ ዝርከብ ጆ ንጉሰ፣ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣባል ባይቶ ሽወደን ኾይኑ ኪነጥፍ ዝርከብ ኣርሐ ሓመድነካ፣ ኣብ’ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ኒውዚላንድ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ዝተዓወተ ኢብራሂም ዑመር ፣ ከምኡ’ዉን ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ናይ ስዊዘርላንድ ኮይኑ ዝተመርጸ ወዲ 27 ዓመት ሳምሶን የማነ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ኤርትራዉያን ፡ ኣብ’ተን ነዊሕ ደሞክራስያዊ ሰረት ዝወነና ሃገራት ምዕቡል ዓለም ክሳዕ ክንድዚ ጽልዋ ኪግብሩ ምርኣይ ፡ ነታ ህዝቢ ዝጽበያ ዘሎ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ገዚፍ ተስፋ ዝህብ ፣ ንቕሙጥ ፖለቲካዊ ሓይሊን ብስለትን ኤርትራዉያን ድማ ዘመስክር እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com