Thursday , April 25 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ዔርዶጋን ን ሽወደን ክቃወም ዝደረኾ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገሩ እዩ ተባሂሉ።

ቱርኪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላ ተጠቒማ ክትቃወም ምዃና ምጥንቃቓ ብመቓን ውሽጣዊ ፖሊስ እታሃገር ክረአ ከም ዝግብኦ ሓንቲ ተመራማሪት ገሊጻ። ብምኽንያት ቊጠባዊ ቅልውላው ፕረሲደንት ቱርኪ ጠይብ ዔርዶጋን ኣብ ህዝቢ ዝጸንሖ ተቐባነት እናንቈልቈለ ክመጽእ ምስ ምጽንሑ ንሱ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ እዩ ዝጽዕር ዘሎ ክትብል ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን እትሰርሕ ቢት ሃማራገን  ገሊጻ’ላ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ነዚ ጒዳይ ንምትህድዳእ ምስ ቱርክ ክትዘራረብ ከም እትደሊ ገሊጻ’ላ–

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com