Thursday , March 28 2024

ዕርቃን ስእልታት ቆልዑ ብኦንላይን ይዝርጋሕ ኣሎ።

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ዕርቃን ስእልታት ቆልዑን ኮተቴን ብዘይፍቓዶም ብኻልኦት ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ግዳይ ታግ እናተገብረ ናይ ዕርቃን ስእሉ ብዘይፍቓዱ ኣብ ጎደቦኡ ወይ ቤት ትምህርቱ ክዝርጋሕ ይግበር ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።  ቆልዑ ኣብ ኢንተርነት ከይምዝመዙ ዝቆጻጸር ውድብ ECPAT፡ ካብ 10 ክሳብ 17 ዝዕድሜኦም ቆልዑን ኮተቴን ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ እዚ ገበን ኣጸቢቑ ወሲኹ ምህላዉ ገሊጹ። ብፍላይ ንግዳያት ዘለዎ ሳዕቤን ከኣ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

“ናይ ዕርቃን ስእሎም ወይ ቪድዮኦም ኲሉ ስለ ዝረኣዮ ትምህርቶም የቋርጹ’ለዉ፡ ይፈርሁ፡ ንዓበይቲ ኸኣ ኣይዛረቡን” ክብል ኣብዚ ውድብ ተመራማሪ ካርልሰን ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com