Friday , April 19 2024

ዕጡቓት ሞዛምቢክ፡ ህጻናት ከይተረፈ ይስይፉ ኣለዉ።

እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ካብክ ዴላጋዶ ክሳብ 11 ዝዕድሜኦም ህጻናት ከይተረፈ ይስይፍ ምህላዎም ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ናይ ረድኤት ትካል ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ።

ሓንቲ ኣደ ምስ ካልኦት ህጻናት ኣብ ዝተሓብኣትሉ በዓቲ ኮይና 12 ዝዕድሜኡ ወዳ ብኸምዚ ኣገባብ ክቕተል ከም ዝረኣየት ገሊጻ’ላ። ንሳ፡ ኣብታ ምሸት ዓድና ኣትዮም ሰባት ድሕሪ ምቕታል ኣባይትና ኣቃጺሎሞ፡ ወደይ ክቕተል እናረኣኹ ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ ንኣይን ዝተረፉ ደቀይ እውን ኣይክምሑራናን እዮም፡ ኢላ። ካልእ ሰበይቲ ድማ ንሳን ሰልስተ ደቃን ካብቲ ግርጭት እናሃደሙ ሓደ ወዳ ከም እተቐትላ ገሊጻ። ንሳ “ወዲ 11 ዓመት ወደይ ምስ ተቐትለ ኣብዛ ዓዲ ውሕስነት ክህልወና ከም ዘይክእል ተረዲእና” ኢላ። ምስዚ እስላማዊ ዕጡቕ ግርጭት ኣብ 2017 ካብ ዝጅመር ንደሓር 2500 ሰባት ተቐቲሎም 700 ሽሕ ዝኾኑ ኸኣ ካብ መነባብረኦም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣልሸባብ እናበለ ዝጽውዕ ዕጡቕ ምስ ዳዕሽ ርክብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ኣብ ሞዛምቢክ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ምግባሩ ዝፍለጥ እዚ ዕጡቕ ጒጅለ ብኣሜሪካ፡ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ከም እተመደበ ዝፍለጥ እዩ።

ህጻናት ኣድሕን፡ ካብዛ ብማዕድን ጋዝ ሃብታም ዝኾነት ኣውራጃ እተፈናቐሉ ሰባት ዘስካሕክሕ ገበን ክፍጸም ምርኣዮም ከም ዝነገርዎ ን ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ ቆልዑ ዝወርድ ዘሎ መቕተልቲ ኣመና ዝርብሽ እዩ” ክብል ዳይረክተር ህጻናት ኣድሕን ሞዛምቢክ ቻንስ ብሪግስ ይገልጽ። “ኣባላትና ስቅያት እዘን ደቀን ዝተቐትልወን ኣዴታት እንክሰምዑ ንብዓቶም ክዓግቱ ኣይክእሉን እዮም” ኢሉ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ኤክስትራ ጁዲሻል ኪሊንግስ ነቲ ዝግበር ዘሎ ገበን “ቃላት ክገልጽዎ ዘይክእሉ ጭካነ” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com