Friday , March 29 2024
(Stefanie Loos/Pool Photo via AP)

ዘለንስኪ፡ “ሩስያ ዛጊት ሓደ ሕምሲት መሬት ዩክሬይን ወሪራ ሒዛ’ላ”።

ወራር ሞስኮ ካብ ዝጅምር 100 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ዛጊት 20% መሬት ዩክሬይን ብሓይሊ ወሪሩ ምህላዉ፡ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ ላክሰምበግ ንዘለዉ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ኲናት ዕርዲታት ኣብዚ ሕጂ እዋ ንናብ 1000 ኪሎሜትር ተዘርጊሖም ምህላዎም ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኲሎም ኣብ ተጠንቀቕ ዝጸንሑ ሰራዊት ሩስያ ኣብዚ ወራር ተዋፊሮም ኣለዉ” ክብል ዘለንስኪ ነቶም ኣባላት ኣይቶ ብ ቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ፡ ከተማ ሰቨሮዶነስክ ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንዮም ምህላዎም፡ ቢቢሲ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com