Thursday , April 25 2024

ዘሐጉስ ብስራት . . . . ኣድማዕነቱ ክሳብ 90% ዝኾነ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ክታበት ተረኺቡ

ክልተ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ዝኾና ኣሜሪካዊ ኩባንያ ፋይዘርን (Pfizer) ጀርመናዊ ኩባንያ ቢዮንቴክን (BioNTech) ብሓባር ዘፍረየኦ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ክታበት፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝረኸባሉ ሓቢረን ክብል ቢቢሲ ኣቃሊሑ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ዝርከቡ ኣስታት 43500 ሰባት ዝተገብረ ፈተነ፡ ክሳብ 90% ኣድማዒ ምዃኑ ተፈሊጡ። ክሳብ ሕጂ፡ ዝተራእየ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምዘየለ እቶም ኣፍረይቲ ሓቢሮም።

ነዚ ክታበት ዘማዕብላ ዘለዋ ክልተ ኩባንያታት፡ ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ፍቓድ ሓቲተን ከምዘለዋ ሓቢረን።

እቶም ኣብ ፈተና ዝቐረቡ ሰባት፡ ገለ ክፋል ናይቲ መድሃኒት ምስ ተኸተቡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ድማ እቲ ተረፍ ንኻልኣይ ግዜ ተኸቲቦም። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ጸረ ነብሳቶም ክሳብ 90% ምውሳኹ እቲ ውጽኢት ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ መድሃኒት ክታበት፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ጀርመን፡ ብራዚል፡ ኣርጀንቲና፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ቱርክን ከምዝተፈተነ ተፈሊጡ ኣሎ።

ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ክሳብ 50 ሚልዮንን ኣብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ዓመት ድማ ክሳብ 1.3 ቢልዮን መድሃኒት ክታበት ከፍርዩ ከምዝኽእሉ፡ እቶም ኩባንያታት፡ ሓቢሮም። እቲ መድሃኒት፡ ኣብ 800c ትሕቲ ዜሮ ክዕቀብ ከምዘለዎ ብተወሳኺ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com