Thursday , March 28 2024
Claudio Bresciani/TT

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ ቊጽሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ናይ እተዋፈሩ ኮተቴ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ።

75 ሚእታዊት እዞም ኰተቴ ዕድሚኦም ካብ 25 ክሳብ 25 እዩ። ገሊኣቶም ክኣ ካብዚ ዝነኣሱ’ዮም።

እዞም ከውሊ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኰተቴ ነቲ ብጐሓላሉ እተረኽበ ገንዘብ ናብ ባንክ ሕሳቦም ብምእታው እዮም ነዚ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ዝፍጽሙ።

እዚ ገንዘብ መብዛሕቱኡ ግዜ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝጥረ ኣይኮነን።

ካብ ኣዛውንትን ተሌፎን ዝርዝር ሓበሬታ ባንክ ብምምዝማዝ እዩ እቲ ዘረፋ ዝካየድ።

እዚ ዘተወደበ ገበን እዩ። እዞም ኣብ ከምዚ ዝበለ ገብን ዝሳተፉ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ጎነጽ፡ዕጸፋርስ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ጎደቦታት ኣብ ዝካየድ ተዂሲ ዝዋፈሩ እዮም ይብሉ ፖሊስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com