Friday , March 29 2024

ዘይተፈልጠ ነገር፡ ኣብ እንዳ መዐደል ነዳዲ (Gas Station) ተረኺቡ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆሎም፡ ሪንክቢ፡ ዝርከብ እንዳ መዐደል ነዳዲ፡ ኣብ ጥቓ ሓንቲ መኪና፡ ዘይተፈልጠ ነገር ከምዝተረኽበ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኦላ ኦስተርሊንግ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሓ።

ከባቢ መዐደል ነዳዲ፡ ብምልኡ ከምተሓጽረን ናብ ኡልቭስንዳቬገን ( Ulvsundavägen) ዝወስድ መንገዲ ውን ከምዝተቕየረን ፖሊስ ሓቢሩ።   

ብዛዕባ እቲ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ፖሊስ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00፡ ሓበሬታ ከምዝመጾ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com