Friday , March 29 2024

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ ናይ ግድን ቛንቛ ከፈልጥ ኣለዎ ሰልፊ ሞደራትና!!

ኣብ ከተማ ጎትላንድ ዝኻየድ ዘሎ ቅነ ፖለቲከኛታት ኣልመዳለን መርሒ ስልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተአርሶን ኣብ ዘስምዖ መደረ ሰልፉ ቛንቛ ቀንዲ መገዲ ውህደት ሙኻኑን ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ ናይ ግድን ቓንቓ ሽወደን ክኽእል ከምዘሎዎ ከነገድድ ኢና ክብል ገሉጹ። ዝኾነ ሰብ ናብ ሽወደን ዝመጸ  ቛንቛ ሸወደን ከጽንዕ ክግደድ ምኻኑን በዚ መገዲ ጥራይ እዩ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ስራሕ ክሰርሕን ክወሃሃድ ዝኽእል ክብል ተሪር መልእክቲ የሕሊፉ።

ኡልፍ ብምውሳኽ ዝኾነ ቀዋሚ ፍቓድ ዝረኸበ እንተኾነ ውን ናይ ግድን ቛንቛ ሸወደን ክኽእል ከምዘሎዎን ድሕሪ ሕጂ ንዝኾነ ሰብ ብነጻ ተርጛሚ ከምዘይግበረሉን ኩሉ ንተርጛሚ ዝወጽእ ዝነበረ ባጀት ንኽተረፍ ፓርቱ ብዝልዓለ ክደፍኣሉ ሙኻኑ ሓቢሩ። ኣብ መዳይ ትምህርት ንወጻእተኛታ ማለት SFI ኣንትኾነ ዝልዓለ ሕጊ ከምነተግብርን ዝኾነ ሰብ እውን ንዕኡ ከማልእ ክግደድ ምኻኑ ተዛሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com