Saturday , April 20 2024

ዜናታት ስፖርት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022

ድሕሪ ድሙቕ መኸፈቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ሜዳ ዝወረዳ ኣአንጋዲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮንን ሃገራዊት ጋንታ ቦርኪናፋሶን እየን።
ጸወታ ዝሕል ኢሉ እኮ እንተጀመረ ኣብ መበል 22 ደቒቕ ቦርኪና ዊ ናይ የማን ክንፊ ኣጥቃዓይ በርናንዶ ትራኦረ ዝኸሸና ናይ ማእከል መስመር ኣጥቃዓይ ጉስታቮ ሳንጋራ ንተጻውንትን ደገፍትን ካሜሮ ን ዘሰንበደት ኩዕሾ ምስ ሰኪዐት ጸንቢርዋ፡
ካሜሮን 0 ቦርኪናፋሶ 1 ጸወታ ድሕሪ ምቕጻል ትራኦረ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ብዝፈጸሞ በደል ን ካሜሮን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተዋሂባ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ቪንሰንቲ ኣቡ ባከር ንዑኡን ን ሃገሩን ቀዳመይቲ ሽቶ ድሕሪ ምምዝጋብ ሞራሉን ሞራል ደገፍትን ናብ ንቡር መሊሱ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ማለት ኣብ ተወሳኺ ደቒቕ ቀዳማይ እብረ ንዑኡን ንሃገራዊት ጋንታኡን ካለአይቲ ሽቶ ብምድጋሙ ንዕረፍቲ ካሜሮን 2 ቦርኪናፋሶ 1 ወጽየን።
ድሕሪ ዕረፍቲ ጸወታ ብ ረሰኒ እዩ ጀሚሩ ቦርኪናፋሶ ኣብ መበል 46 ዝረኽብዋ ትራኦረ ትጥቀስ ቅላዕ እኮ እንተነበረት ሓላዊ ልዳት ካሜሮን #ኦናና ብ ጉስጢ እዩ ካብ ክሊ ልዳት ኣርሒቕዋ።
ኣብ መበል 49 ደቒቕ ኣጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ብ ውህደት ን ቕድሚት ተርዊሮም ኩዕሶ ን ኣቡባከር እኮ እንተቐብልዎ ኣቡበከር ድኽምቲ ቅላዕ ስለ ዘቕልዓ ብቐሊሉ እያ ኣብ ኢድ ሓላው ልዳት ቦርኪናፋሶ በጺሓ።
ኣብ መበል 52 ደቒቕ ውን ቦርኪናውያን ካልእ ቅላዕ መቕጻዕቲ ረኺቦም ትራኦረ ትደነቕ ተራር ቅላዕ እኮ እነተቐልዓ ኦናን ግን ብ ዝንኣድ ፍጥነት እዩ ኣድሒንዋ።
ኣብ መበል 58 ደቒቕ ካሜሮናውያን ሽቶ እኮ እንተመዝገቡ ብሓገዝ VAR ግን ተሰሪዛ ጸወታ ካሜሮን 2 ቦርኪናፋሶ 1 ይቕጽል።
ድሕሪዚ ብኽልቲአን ጋንታት ፈተነታት መጥቃዕቲ እኮ ተተኻይደ ተወሳኺ ሽቶ ብዘይምዝጋቡ ጸወታ ብ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ 2-1 ተዛዚሙ።
ዝቕጽል ጸወታ ናይዚ ምድብ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ሞንጎ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ሃገራዊት ጋንታ ካፕ ቬርደን ክካየድ እዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሎሚ ምሸት ግጥም ነጥቢ ክትምንዝዕ ተዘይኪኢላ ካብቶም ን ካሜሮን ገጥ ኣቢሎማ ዘምሰዮ ቦርኪናውያንን ካሜሪናውያንን ነጥቢ ክትረክብ ክኸብዳ እዩ።
ክሳብ ሽዑ ድሓን ኣምስዩ
ወዲ ሳርቶ

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com